አዲስ አበባ —
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ዝመፃ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀም መጥቓዕቲ ደው ይበል ብምባል ናብ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብምኻድ ጥርዓነን ኣቕሪበን።
ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝመፃ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ወ/ሮ ዱሌ ሲዳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብኦ ርእይቶ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስርዓት ገዳ ዘለውን ተራ ቀንዲ መንቀሊና እዩ ኢለን።
“ሕጂ ኣብ ሃገርና ካብ ኩሉ ኣንፈት ይልዓል ብዘሎ ፀገም ቅድሚ ኩሉ ዝጥቅዓ ዘለዋ ኣዴታትን ህፃናትን እየን።ኣብ ኩሉ ኣንፈት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ኩነታት ኣዴታትን ህፃናት ከቢድ መጥቓዕትን መጉዳእትን ይወርዶም ስለዘሎ ካብ መነባብርኦም ይመዛበሉ ስለዘለው፣ኣብ ፈቖዶ መንገዲ ይሓርሳ ስለዘለዋን ብጠበንጃ እናተውቕዓ እናሞታ ስለዝኾና እዩ ድምፅና ከነስምዕ ኣብዚ ዘለና” ኢለን።
እተን ሰልፈኛታት ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ይፍፀም ዘሎ ዝበልኦ እውን ኣልዒለን ኣለዋ።
ናብ ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ጥርዓነን ዘቕረባ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ወኪላተን ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ።ርእይቶ ክልል ኦሮሚያ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።