ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ መዝነቶም ዝለቐቑ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት መንግስቲ ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ናብ ልዝብ ክኣትው ጸዊዖም

ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒ ብምቅዋም ካብ መዝነቶም ዝወረዱ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ውግእ ዝኣተው መራሕቲ’ቲ ክልል ዝነበሩ ናብ ልዝብ ሰላም ንክኣቱ ጸዊዖም።

ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተጠባባቂ ሓላፊ ዝነበሩ ኣቶ ብርሃነ ኪ/ማርያም "ዝተናወሐ ውግእ ነታ 6 ሚልዮን ዝህዝባ ትግራይ ይሃስያ ኣሎ" ኢሎም።

"ንሰላማዊ ልዝብን ኣገባብ ፍታሕን ክነቅድም ኣለና" ዝብሉ ኣቶ ብርሃነ፣ ብካልእ መገዲ ሰላም ኣይመጽን፣ እቲ እንኮ መገዲ ሰላማዊ ኣገባብ'ዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ኣብ’ቲ ውግእ ካብ 60 ክሳብ 70 ሽሕ መብዛሕተኦም መናእሰይ ዛጊት ከምዝሞቱ ይዛረቡ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ግና በዚሒ ዝሞቱ ኣይገለጹን ዘለው።

ኣቶ ብርሃነ ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወፍሪ መኸተ ይማሓየሹ ከምዘለው፣ ንዝተናወሐ ውግእ ዕድል ከምዘሎ ይዛረቡ።

ቅድሚ ትሸዓተ መዓልታት ካብ መዝነቶም ዝወረዱ ኣቶ ብርሃነ፣ ጅምላዊ ህልቂት ዝተራኣየሉ ውግእ እዩ ኢልካ ንምድምዳም ትግራዋይ ጥራሕ ክትኮን የብልካን፣ እዚ ዘስካሕክሕን ከቢድ ጥፍኣት ዘስዓበን ውግእ፣ ክጻወሮ ኣይክእልን ኢሎም።

ተሸላሚ ሽልማት ኖብል ሰላም ዝኾኑ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሎሚ ንውግእ ኣብ ትግራይ ደው ኣቢሎም ተፈጺሙ ንዝባሃል ገበን ኩናትን ዓለምለኸ ምጽራይ ንክግበረሉን ብሕልፊ ኣሜሪካ ትመርሖ ጸቅጢ ኣጋጢሙዎም ኣሎ።

ነቀፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ይቅጽል ዘሎ ፌደራላዊ መስርሕ ምጽራይ እኹል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ፣ መንግስቲ ብብቅዓት ንርእሱ ክምርምር ኣይኽእልን ባሃልቲ እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰላማዊያን ሰባት ኮነ ተባሂሉ ዒላማ መጥቓዕቲ ኣይተገብሩን ይብል።

"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸሰተ ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስቲ መሰላትን ከምኡውን እቲ ቅልውላው ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዘስዕቦ ሓደጋን ዓሚቅ ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎም" ብምግላጽ ልኡኾም ሰነተር ክሪስ ኩንስ ምስ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምዝርራብ ናብ አዲስ አበባ ከምዘምርሑ ተፈሊጡ'ሎ።

This item is part of
XS
SM
MD
LG