ዋሽንግተን —
ኣፍሪቃ ካብ ካልኦት ኣህጉራት ብዝቀልጠፈ ናህሪ ትውዕይ ከምዘላ ዝጠቀሰ ሓድሽ መጽናዕቲ፣ እታ ኣህጉር ነቲ ሓድሽ ኩነታት ንምልማድ ፋይናንሳዊን ቴክኖሎጂካዊን ደገፍ ንክግበረላ ኣተሓሳሲቡ።
ኣፍሪቃ ካብ ህዝቢ ዓለም 17 ሚእታዊት ዝሓዘት ኮይና ከላ፣ ኣብ ብኽለት ኩነታት ኣየር ዘለዋ ብጽሒት ግና ትሕቲ 4 ሚእታዊv እዩ።
እቲ ሪፖርት ወሲኹ "መጠን ሃፋ ይልወጥ ከምዘሎ፣ መጠን ዋዒ ይውስኽ ኣሎ፣ ብደረጃ ዓለም ድማ ኩነታት ኣየር ይበላሸው ኣሎ" ይብል።
ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሜትሮሎጂ ዓለም ፐትሪ ራኣላስ "ዓሚ ጥራሕ፣ ብደረጃ ዓለም፣ 700 ዓበይቲ ሕማቅ ኩነታት ኣየር ዘበገሶም ሓደጋታት ከምዘጓነፉ፣ ፍርቆም ውሕጃት፣ ከቢድ ዝናብን ድርቂን እዮም" ይብል።