ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ክፍተት ፖሊሲ ንሓረስቶት ኣገልግሎት መድሕን ምሃብ ከምዘይተኽኣለ ሰብ ሞያ ገሊፆም። ሓረስቶት ኣገልግሎት መድሕን ስለዘይረኽቡ ድማ ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሖም እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ሰብ-ሞያ ከም ዝጠቕሱዎ፡ እቲ ቀንዲ ሽግር ስእነት መድሕን ካብ ባንክታት ለቓሕ ዘይምርካብ’ዩ።