ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕ/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ሽረ ብወታሃደራት ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ንዝተፈጸመ ተግባር ኮኒነን


24 ግንቦት 2021 ለይቲ ኣብ ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ብወታሃደራት ንዝተፈፀመ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ፣መውቃዕትን ካልኦት ዓይነት ሕማቕ ኣተሓሕዛን ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋሃዲት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ካትሪን ሶዚ ኮኒነንኦ።

ልዕሊ 200 ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ብወታሃደራት ተሓፊሶም ከምዝተወስዱ ብምግላፅ ብዘይ ውዓል ሕደር ንክፍትሑ ፀዊዐን።ብመሰረት ሎሚ ዝበጽሓና ዜና እቶም ብወታሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሲዶም ዝነበሩ ተመዛበልቲ ከምዝተፈትሑ ተሓቢሩ ኣሎ።ብዙሕ መውቃዕቲ ከምዝጋጠሞም ዝገለፁ ግዳያት ዘይተፈትሑ ገለ ሰባት ከምዝህልው እምነቶም ገሊፆም ኣለው።

ኣዋሃዲት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ካትሪን ሶዚ ንዝተጣህሰ ከቢድ መግሃስትታት ሕጊ ዓለምለኸ ሰብኣዊነትን ሰብኣዊ መሰላትን ክምርመርን ፈፀምቲ ናብ ፍርዲ ከቐርቡን ኣለዎም ኢለን።

ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ብወገኖም ምስ መሻርኽትና ኮይንናን ሓለዋ ስቪላት ንምርግጋፅ ምስ ኣዘዘቲ ሰራዊት ንምዝርራብ ድሉዋት ኢና ኢሎም።ዱጃሪክ ወሲኾም ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ተበፃሕነቱ ፈታኒ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝነብረሉ ማእኸላይ ዞባ ንዝበዝሕ ኣስታት 1.8 ሚሊዮን ምብፃሕ ኣይክኣልን ኢሎም።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ዝበፅሕሎም ከባቢታት ሕፅረት መግቢ፣ ኣገልግሎት ማይን፣መብራህትን ኣገልግሎት ጥዕናን ሓዊሱ እቲ ኩነታት ሕማቕ እዩ ዘሎ ኢሎም። ብዘይ ውዓል ሕደር እንተድኣ ዘይተፈቲሑ ሓደጋ ጃምላዊ ሕሱም ሕፅረት መግቢ ኣንፀላሊዩ ኣሎ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዱጃሪ ክሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ብብዝሒ ንምቕራብ ዘይተደረተን ነባሪ ዝኾነ ተበፃሕነት ክረጋገጽ ፃዊዕትና ይቕፅል ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG