ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ሓባራዊ ዶብ ኢትዮ ኬንያ ተዛዚሙ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሞምባሳ ኬንያ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ሓባራዊ ዶብ ኢትዮ ኬንያ ተዛዚሙ።ካብ 5 ግንቦት 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ወኪላት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ኣብ ናይ ሓባር ዶባ ክልቲኣን ሃገራት ዝርከቡ ምልክታት ንምሕዳስ ምስምምዖም ኣብ ኬንያ ናይ ኢትዮጵያ ኣማባሳደር መለስ ኣለም ገሊፆም።

ዝተላዕሉ ምልክታት ንዘለዎም ቦታታት ብዝምልከት ናይ ዳህሳስን ዳግመ ምትካልን ስራሓት ንምክያድ ከምዝተዘራርቡን፡ ህዝቢ ድማ ሓድሽ ዝስራሕ ዘሎ ናይ ዶብ ምምልካት ከይመስሎ ናይ ምምሃርን ስራሕ ክስራሕን ምስ ኣፀጋምነት እቲ ከባቢ ሓለዋን በጀትን ብዝምልከት እውን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ሎ ኢሎም።

ኣምባሳደር መለስ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት በብሓሙሽተ ዓመታት ምልክታት ዶብ ክካይድ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ 1970 ምስምምዐን ወሲኾም ሓቢሮም።

ንኢትዮጵያን ኬንያን ካብ ዘዋስን 890 ኪሎ ሜትር ዶብ 625 ናይ ዶብ ምልክታት ተተኺሎም እንተነበሩ እውን ሎሚ መብዛሕቲኦም ጠፊኦም 55 ጥራሕ ኣብ ቦትኦም ከምዘለው ኣምባሳደር መለስ ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG