ዋሽንግተን —
ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስተበገሰት ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነታ ነፋሪት ብዝሰርሕ ኩባንያ ንዝተውሃበ መስርሕ ከምዝተኸተሉ ሎሚ ሓሙስ ዝወፀ ሪፖርት ገሊፁ።
ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ መባእታዊ ፀብፃብ ሰራሕተኛታት ናይታ ነፋሪት ነታ ፍሪያት ቦይንግ ዝኾነ 737 MAX 8 ዝተቐመጠ መስርሕ ወይ ቅድመ ኩነት ዝተኸተሉ’ዃ እንተኾኑ ነታ ነፋሪት ክቆፃፀሩዋ ከምዘይክኣሉ ይግለፅ።
እቲ ፀብፃብ ካብታ ዝተሓምሸሸት ነፍሪት ብመሰረት ዝተቐድሐ ሓበሬታ ዝወጸ’ዩ።
157 ተሳፈርቲ ዝሞትሉ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስዒቡ ኩለን ነፍርቲ 737 MAX 8ን MAX 9ን ከይበራ ምክልካለን ይዝከር።