ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣብ ምፍራይ ኣልባሳት ንምውፋር ወሲኑ ናብ ስራሕ ዝኣተወ መሰረቱ ህንዲ ዝኾነ ኩባኒያ ኬይ ፒ ኣር ፍርያቱ ንዝኾነ ናይ ህጻናት ክዳውንትን ማልያታት ዛጊድ ብኽልተ ዙር ናብ ወፃኢ ዓዲ ምልኣኹ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ እቲ ትካል ትሰርሕ ፋና ተኽላይ እቲ ኩባንያ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ወፃኢ ፍርያቱ ምልኣኽ ምጅማሩ ትገልፅ:: ዛጊድ 244 ሽሕ ክዳውንቲ ናብ ወፃኢ እቲ ትካል ምልኣኹ እያ ተዛሪባ:: እቲ ፋብሪካ ኣብ ውሽጡ ንልዕሊ 700 መናእሰይ ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ኣሎ። ኣብቲ ፋብሪካ ካብ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣስታት 90 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን::
ኣብቲ ትካል ተቖፂራ ምስራሕ ካብ ትጅምር ሽዱሽተ ወርሒ ከምዝገበረት ዝገለፀት ብሪ ኣዲስኣለም ሰልጥና ወሲዳ ናብ ስራሕ ኣትየ ትብል:: በብግዝኡ ድማ ናይ መሃያ ወሰኽ ይግብረልና እዩ ኢላ:: ኣኽበረት ጥዑማይ ዝተባህለት ካልእ ሰራሕተኛ እቲ ትካል ከምተዛረበቶ ድማ እቲ ኢንዳስትሪ ፓርክ ኣብ ከባቢኣ ብምኽፉቱ ስራሕ ክትረክብ ከምዘኽኣላ ትሕብር::
ልዕሊ ክልተ ዓመት ስራሕ ከይረኸበ ፀኒሑ ኣብቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ስራሕ ብምርካቡ "ካብ ተፀባይነት ተለቒቐ ዓርሰይ ምኽኣል ጀሚረ " ዝበለ ድማ ብርሃኑ ወልዱ ዝተብሃለ ሰራሕተኛ’ቲ ትካል እዩ::
ኣካያዲ ስራሕ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣይተ ጎይትኦም ገብረኪዳን ኬ ፒ ኣር ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ፍርያት ካብ ዝኣተዉ ኩባንያታት ሓደ ምኻኑ ተዛሪቦም:: ኣብቲ ፓርክ ዘለዉ 15 ሼዴት ኩሎም ብሰብ ሃብቲ ከምዝተትሓዙ ኣብሪሆም:: ዛጊድ ሰለስተ ኩባንያታት ናብ ፍርያት ከምዝተሰጋገሩ ድማ ተዛሪቦም:: እቲ ፓርክ ንልዕሊ 2,000 ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ኣይተ ጎይተኦም ገሊፆም::
ፖርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ብልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ወፃኢ ዝተሃነፀ ኣብ ውሽጡ ንፋብሪካ ዝተዳለወ ሼዳት: ናይ ጉምርክ ጣብያን ባንክን ዝሓዘ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ መቐለ ዝተተኸለ ፓርክ እዩ።