ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ የመን ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝርከብዎም 20 ሰላማዊያን ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ፋይል- ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ የመን
ፋይል- ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ የመን

ኣብ የመን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝርከብዎም 20 ሰላማዊያን ሰባት ምሟቶም ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብታ ኣል ራቃ ዝተባህለ ናይ ዕዳጋ ቦታ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዝርከብዎም 20 ሰባት ምሟቶም ገሊጹ። መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዝርዝር ሓበሬታ’ቲ መጥቓዕቲ ኾነ ፈጻሚ’ቲ መጥቓዕቲ ኣይገለጸን።

ብሰንኪ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ጥምረትን ብኢራን ዝድገፍ ምንቅስቃስ ሑቲ ኣብ የመን ክካየድ ዝጸንሓ ኹናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶምን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ንሓደጋ ጥምየት ክቓልዑ ምግዳዶም ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀሱ አባላት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብተመሳሳሊ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ ደብዳብ ነፈርቲን መጥቓዕቲ ተኹሲን ከምዘጋጠመ ንኣገልግሎት ዜና ሓቢሮም።

እቲ ቦታ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ተበጊሶም ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕ ብየመን ዝሓልፉ ስደተኛታት ዘዘውትርዎ ቦታ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ብመሰረት መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ቐዳማይ መጥቓዕቲ 10 ሰባት ክሞቱ ከለው ኣብቲ ናይ’ዚ ሰሙን መጥቓዕቲ ድማ ኣርባዕተ ቆልዑ ዝርከብዎም 22 ሰባት ምሟቶም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG