ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝረአ ዘይምርግጋእ ብልዝብ ክፍታሕ ባህላዊ ኣመሓደር’ቲ ክልል ጸዊዖም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘይምርግጋእን ስእነት ሰላም ይረአ ብምህላው እቲ ክልል ኣብ ስግኣት ወዲቑ’ሎ ክብሉ ባህላዊ መራሕቲ’ቲ ክልል (አባገዳታት) ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ሰላም ነባሪ ሰላም ክህልው ፖርቲታት ፍልልያቶም አጽቢቦም ጸገማት ብልዝብ ክፈትሑ ተላብዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሓገዘ መጥቓዕቲ ፈጺሙ ዝብል ወረ ካብ ሓቅነት ዝረሓቐ’ዩ ክብል ገዛኢ ፓርቲ’ቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ብካልእ ወገን ኣብ ሆሮገድሩ ወለጋ ከተማ ሻምቡ ተአሲራ ዝቀነየት ጫልቱ ታኸለ ከምዝተፈትሓት ተገሊጹ።

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ከፋ ዕጡቓት ብዘውረድዎ መጥቓዕቲ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉ ነበርቲ ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG