ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ምቕታሎም መሰኻኽርን ስድራን ሓቢሮም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ብዝሒ ዘለዎም ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብቲ መጥቓዕቲ ኣምሊጥና ዝበሉ መሰኻኽርን ስድራታትን ኣፍሊጦም።

ምኽትል ኣመሓዳሪ ወረዳ ግምቢ ኣቶ ሻፌ ኣለሙ ፈጻሚ'ቲ መጥቓዕቲ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እናበለ ዝፅውዕ መንግስቲ ግን ሸኔ ክብል ዝጽውዖ ጉጅለ እዩ ብምባል ብዙሓት ህፃናትን ኣዴታትን ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ምቕታሎም ሓቢሮም።

ነቲ ቅትለት ዝኾነኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ "መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈፀሞም ከባቢታት ሰላምን ድሕነትን ንምምላስ ቀዳምነት እንህቦ ተግባር እዩ" ኢሎም።

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ህይወቶም ንዝስኣኑ ሓዘኑ ገሊፁ ኣሎ።

ብዝሒ ዝሞቱ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈላለየ ቁፅሪ ይግለፅኳ እንተሃለወ ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝሒ ምውታት 260 ምብጽሑ ሓቢሩ'ሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብሓይልታት መንግስትን ዕጡቓትን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ይፍፀሙ ዘለው ህይወት ሰባት ዘጥፍአ፣ኣካል ዘጉደለን ንብረት ዘዕነወን መጥቓዕትታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምሕባር ተወሳኺ መጥቓዕቲ ከይፍፀም ኣገዳሲ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ'ሎ ።

ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዝተፈፀመ ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት ብትሪ ብምዂናን ስርዓት ኣብይ ኢሉ ዝፀውዖ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ፈፂሙዎ ዝበሎ ገበናት ናብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዘሳብብ ብምግላፅ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዕጡቓት ኦላ ንምምሳል ጨጉሮም ዝተቖነኑ ‘’ጋቻና ሲርና’’ ዝተባህለ ጉጅለ ብምውዳብ ኣብ ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ገበናት ይፍፅሙ ኣለው ኢሉ ኣሎ።

እዚ ናይ ሎሚ ክስታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣቐዲሞም ዝቐረቡ እውን ብዝኾነ ይኹን ተአማኒን ነፃን ወገን ክምርመር፣ፈፀምቲ ክሕተቱ፣ግዳያት ፍትሒ ክረክቡ ንስድራታት ግቡእ ካሕሳ ክኽፈሎም ፀዊዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG