ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ኲናት ቁጽሪ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ልዕሊ 750 ሽሕ ምብጽሑ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፣ ብዝሒ ተመዛበልቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣዝዩ ይንህር ከምዘሎ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢኣቶ ኢያሱ መስፍን ሎሚ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል "ብሰብ ሰራሕን ብተፈጥሯዊን ሓደጋታት ብዝሒ ተመዛበልቲ ልዕሊ 750 ሽሕ ከምዝኾነ’ ሓቢሩ።

እቲ ኮምሽን ዝኣክል ሰብኣዊ ረድኤት ይቀርብ ከምዘየለ ብምግላጽ ፣ ብሕልፊ ሰራዊት ህወሓት ኣብ ዝተቆጻጸሮም ከባቢታት ሓገዝ ንምብጻሕ ከምዘይተካኣለ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG