መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ብምርምር ሓዱሽ ጣፍ ተዳቂሉ።
'ኣክሱማዊት' ዝብል ሽም ዝተውሃቦ ዓሌት ጣፍ ንሸውዓተ ዓመታት ክፍተን ድሕሪ ምፅናሕ ውፅኢቱ ተረጋጊፁ'ሎ።
'ኣክሱማዊት' ጣፍ ኣብቲ ምርምር ዝተኻየደሉ ጣብያ ክሳብ 30 ኩንታል ካብ ሄክታር ከምዝርከብን ካልኦት ዝተፈላለዩ ፀብለልታታት ከምዘለዉዎ ተመራማሪ ጣፍ ኣይተ ቸኮለ ንጉሰ ገሊፆም።
ምስ ኣይተ ቸከለ ዝተኻይደ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል።