መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ 05 ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ተኣኪቦም ዝነብሩ መናእሰይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ብምባል ንምብታን ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ ጎንፂ ተላዒሉ ሓደ መንእሰይ ብፖሊስ ምቕታሉ ተሓቢሩ’ሎ::
ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒመሰኻኽር ህይወት እቲ መንእሰይ ምስሓለፈ ብዝተፈጠረ ጎነፂ ኣብ ልዕሊ ካል ኦት ክልተ መናእሰይ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ገሊጾም::
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቤትፅሕፈት ፖሊስ ይኹን ካልኦት ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ እቲ ከተማ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይሰመረን::
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::