ሃዋሳ —
ኣብ ሃዋሳ መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ንክፍጽሙ ተዳልዮም ነይሮም ንዝበሎም ጥርጡራት ከምዝሓዘ፣ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ክልል ሲዳማ ኣፍሊጡ።
እቶም ጥርጡራት ዝተባሃሉ ዝተታሓዙ ምስ 16 ቦምብታት ከምዝኾነ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ።
ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ኦሮምያ ብወገኑ ‘ኦነግ ሸኔ’ ኢሉ ንዝጸወዖ ጉጅለ ምስ ሓይሊታት ክልል ኦሮምያ ኣብ ቅሉዕ ውግእ ከምዝኣተወን፣ 'መገዲ ሞያሌ ተዓጽዩ’ ዝብል ሓበሬታ ግን ሓሶት ምዃኑ ይገልጽ።
ብካልእ ወገን፣ ኣብያተ ጽሕፈት ጸጥታ ክልላት ሲዳማ፣ ኦሮምያን ደቡብን፣ ምስ ህወሓት ወጊኑ ንኢትዮጵያ ንምብታን ውዲት ፍሒሱ ንዝበልዎ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ሓይሊ ብሓባር ንምግጣም ሎሚ ኣብ ሃዋሳ ከምዝተሰማምዑ እቲ ዜና ይጠቅስ።