ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ዝተርኣየ ለበዳ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ጉድኣት ከየብጽሐ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ተገሊጹ


ኣብ ኤርትራ ዝተረኣየ ለበዳ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ዝኾነ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ፈጻሚ ስራሕ ኮሚሽን ምቁጽጻር ኣንበጣ ማእከላይ ዞባ ዶ/ር ማሙን ኣል ኣላዊ ገሊጹ።

ዶ/ር ማሙን ነዚ ዝገለጸ፡ለበዳ ኣንበጣ ኣብ ዝተራእየሉ ቦታታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኮለላን ትዕዝብትን’ዩ። ዶ/ር ማሙን እንትርፎ ሓሓሊፎም ኣብ ገለ ቦታታት ዝረኣዩ ፋሕ ዝበሉ ዘይነፍሩ ኣንበጣ፡ዘስግእ ኩነታት ከምዘይልቦ ተዛሪቡ።

ኣብ ኤርትራ ዝተርኣየ ለበዳ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ጉድኣት ከየብጽሐ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:11 0:00

ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ናይ ዜና ዝፍነዉ ዝነበሩ ሓበሬታታት ብኣካል መጺኦም ክዕዘቡን ህጹጽ ረድኤት ዘድሊ እንተኾይኑ ስጉምትታት ንምውሳድ ዝከኣለሉ ኩነታት ንምፍጣርን ከምኡ’ውን ምስ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ሕርሽ ኤርትራ ንምዝርራብን ከምዝኾነ ዶ/ር ማሙን ኣል ኣላዊ ተዛሪቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኤርትራ ዝተርኣየ ለበዳ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ጉድኣት ከየብጽሐ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:20 0:00

Recommended

XS
SM
MD
LG