No media source currently available
ኢትዮጵያዊያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ሎሚ ሶሉስ ኣብ ኣፍደገ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሰልፊ አካይዶም። ሰልፈኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ዜጋታት ህይወትን ንብረትን ድሕነት ከረጋግጽ ኣይከአለን ክብሉ ነቒፎም። ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ዘለዎም ናይ ህዝቢ ሰላም ኣብ ምፍራስ ዝንቀሳቀሱ ውልቀሰባት’ውን መንግስቲ ኣሜሪካ ከጠንቕቕ ሓቲቶም ኣለው።