ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣሜሪካ  ዝተኻየደ መርመራ ክታበት ኣስትራዘኒካ ውሑስን 79% ድማ ኣድማዒ ምዃኑን ገሊጹ


ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ መርመራ ክታበት ኣስትራ ዘኒካ ውሑስ`ውን 79% ድማ ኣድማዒ ኢሉ-።

ኣብ ምስራሕ`ቲ ክታበት ዝተሳተፈ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኣቐድም ኣቢሉ- እቲ ክታበት ውሑስ`ዩ ኣድማዕነቱ`ውን ልዑል`ዩ ኢሉ ኔሩ`ዩ።

ክታበት ቫይረስኮሮና ኣስትራዘኒካ ዘፍርይ ትካል ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 32 ሺሕን 449 ሰባት እቲ ክታበት ምፍታኑን ውሑስ ኮይኑ ምርኻቡን:-ኣብ ኩሎም ዓሌታት ተመሳሳሊ ኮይኑ ካብ 65 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ዘለዉ ድማ ኣድማዕነቱ 80% `ዩ ክብል እቲ ፋብሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

ብኻልእ ወገን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ክታበት ኣስትራ ዘኒካ ነቲ ኣብኣ ዝተራእየ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ኣይምክቶን`ዩ ብዝብል ስኽፍታ- ምስኣ ዝነበረ ሓደ ሚልየን ዝኸውን ክታበት ንሕብረት ኣፍሪቃ ምሻጣ ተፈሊጡ'ሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ክታበት ኣስትራ ዘንካ ውሑስ`ዩ ምባሉ ቀጺሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG