ባህርዳር —
ምኽትል ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ፍሬኣለም ሸባባው ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ናይ ድሕነት ስግኣት ምንጩ ኣብ ትካላት ጸጥታ ሓላፍ ዘላፍ ስለዝተራእየ`ዩ ኢላ ።
ኣብቲ ናይ ትሸዓተ ክልላትን ክልተ ከተማታትን መሪሕነት ጸጥታ ዝተሳተፍሉ ብሃገር ደረጃ ዝተወደበ ገለልተኛ ኣማኻሪ ጉጅለ ንድሕነት ሕብረተሰብ ማእከል ጌሩ ኣብ ከተማ ባህርዳር ናይ ምኽክር ጉባኤ የካይድ ኣሎ።
ምኽትል ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ፍሬኣለም ሸባባው ኣብቲ እዋን ክትገልጽ ከላ- እዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ከወግዶ ቃል ካብ ዝኣተወሉ ሓደ ካብ ሃይማኖትን ካብ ዓሌትን ናጻ ዝኾነ ትካል ምህናጽ`ዩ ብምባል፡ ብእኡ መሰረት ድማ ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝኾነ ሰነድ`ውን ከዳሉ ክኢሉ`ዩ ኢላ።