ደሴ —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን ይሃድሙ ከምዘለው ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ንዝሃደሙ ልዕሊ 7,000 ሰባት ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንምቕራብ ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ደቂ ኣንስትዮ፣ህጻናትን ደቂ ተባዕቲዮ ንደሕንነቶም ክብሉ ናብ ሱዳን ይሃድሙ ዘለው ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ እዩ።
ብዝተሓሓዝ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ወታሃደራዊ ምፍጣጥ ስግኣት ዝሓደሮም ነበርቲ ከባቢ ዋጃ ክልል ትግራይ ናብ ጎረቤት ዞባ ሰሜን ወሎ ቆቦ ይኸዱ ከምዘለውን እቲ ውግእ ካብዝጅመር ኣስታት 300 ሰባት ናብ ቆቦን ወልዲያን ምኻዶም ተገሊጹ’ሎ።
ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣቶ ወልደትንሳኤ መንግስቱ ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉ ሓገዝ ከምዝግበር ገሊፆም ።