ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ከተማ ወልዲያ ይካየድ ብዘሎ ውግእ ስላማውያን ሰባት ከባቢኦም ገዲፎም ይወፁ ምህላዎም ተገሊፁ ።
ኣብቲ ኸባቢ መስመራት ስልኪ ምቁራፁ ስዒቡ እቲ ውግእ ዝርከበሉ ኩነታት ፣ ዝበፅሐ ጉድኣትን ካልኦት ሓበሬታታትን ብትኽክል ክርከብ ኣይተከአለን።ይኹን'ምበር ብዓይንና ሪኢና ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ውጫለ ንወልዲያ ሓዊሱ ካብ ስሪንቃ ፣መርሳን ከባቢኡን ሰባት ሃዲሞም ናብ ጎረባብቲ ከተማታት ውርጌሳ ፣ ውቻለን ከተማ ሀይቅን ይኣትዉ ምህላዎም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓቢሮም ።
መንግስታዊ ምምሕዳር ከተማ ወልድያን ነበርትን ቅድም ክብል ካብ ሕወሓት ብተደጋጋሚ ንዝፍነው መጥቓዕቲ ንምክልኻል ናይ ሞትን ሕውየትን ቃልሲ የካይዱ ምህላዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት መራኸቢ ዜና ክገልፁ ቀንዮም ነይሮም። ህዝባዊ ርክባት ምምሕዳር ከተማ ወልዲያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ገጹ ህፁፅ መልእኽቲ ክብል ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ናብ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዘውግሕ ህወሓት ብተደጋጋሚ ደብዳባት ከበድቲ ኣፅዋር ምክያዱ ገሊፁ ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ግን ዝበሎ የለን ።
እቲ ፅሑፍ ነበርቲ እታ ከተማ ኢሎምኒ ክብል ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ መንግስቲ ብርቱዕ ተሞክሮ ቃልሲ እቲ ህዝቢ ተጠቂሙ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ብዘይምውሳዱ ንሳቶም ጁንታ ክብሉ ዝፀውዑዎ ኣካል ንከተማ ወልድያ ከዕኑ ዝኽእል ከበድቲ ኣፅዋራት ይትኩስ ኣሎ ክብሉ ምግላፆም ጠቂሱ ። መንግስቲ ነቲ ክወርድ ዝኽእል ዕንወት ኣብ ግምት ዘእተወ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቶም ።
ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ ንውሑዳት ደቃይቅ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት ህወሓት ይወርዶ ብዘሎ ስዕረት ተስፋ ቆሪፁ ኣብ ወልዲያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት መጥቓዕቲ ፈፂሙ ኢሎም ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::