ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተለዓሉ ግጭታት ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ/USIAD/ ዳይረክተር ለስሊ ሪድ ገሊፀን።
ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብዚ ናይ ዝናብ እዋን ብዘይ ዝኾነ ይኹን መፅለሊ ኣብ ሜዳ ወዲቖም ኣለው እውን ኢለን።
ብሰንኪ ግጭት ንዝተመዛበሉን ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ንዝተጎድኡን 170 ሚሊዮን ዶላር ሓግዝ ዝተገብረ እውን እዚ ኣሰቃቒ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ እተን ዳይረክተር ሓቢረን።
“ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ነዚ ኣብ ኣዋሳነቲ ከባቢታት ገዶንን ጉጂን ዝተፈጥሩ ግጭታትን ብሰንኪ’ዚ ዝተመዛበሉን ብዝምልከት ምስ ምንቕጥቓጥ መሬት ኣመሳሲሉዎ’ሎ።ብሰንኪ እዚ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ንዕለታዊ ረድኤት ተቓሊዖም ኣለው።መብዛሕትኦም ካብታ ዝተኸደኑዋ ወፃኢ ዋላ ሓደ ሒዞም ኣይወፁን።መግቢ፣መፅለሊ፣ማይ፣ናይ ንጽሕና ኣቑሑትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ድልየቶም ዘማልእ የብሎምን።ነዚ ህፁፅ ሰብኣዊ ድልየት ኢና ሓጊዝና ዘለና።”
ንሰን በተወሳኺ መንግስቲ ናብ መነባብርኦም ናይ ምምላስን ንዝሓዞ መደብ እውን ከምዝድግፋ ገሊፀን።
ኣሜሪካ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት 1.6 ቢሊዮን ዶላር ከምዝሓገዘት ሓቢረን።
“ቀዳማይ ሚንስትር ምስ ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያን ኣብ ኣሜሪካ ክራኽቡ እዮም።ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ነዊሕ ዝፀንሐ ርክብ ኣለወን።ንሕና ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ኣብዚ ኣለና፤ከም እንቕፅል እውን ርግፀኛታት ኢና።ኢትዮጵያ ንኣሜሪካዊያን ኣዚያ ኣገዳሲት እያ።…ብርግፅ ኣብ ጎንኹም ኮይንና ክንቕፅል ኢና።”
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ኢትዮጵያ ይፍጠሩ ብዘለው ግጭታት ንዝተመዛበሉ ንምሕጋዝ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላትን መንግስታትን ህፁፅ ረድኤት የቕርባ ከምዘለዋ ይግለጽ ኣሎ።