ዋሽንግተን —
ኣብ 70'ታት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፍሉጥ ተጻዋታይ ሻንብቆን በይዝ ጊታርን ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ናይ ጸሃይቱ በራኺ "ኣንቆልቊለ ክኸይድ ብማይ ጃሕጃሕ" ሻምብቆ ከም ዝተጻወተን ኣብ ናይ በረኸት መንግስተኣብ'ውን ሪኮርድታት ምስታፉ ዝፈልጥዎ ይገልጹ። ብዝያዳ ግን መልኣከ ገብረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዋልያስ ባንድ ኮይኑ ነታ ባንድ እናመርሐ ኣብ ኣመሪካን ካልእን ዝነበረ ዑደት'ታ ባንድ ልዑል ተራ ከምዝነበሮ'ውን ይገልጹ።
ምስ ነባር ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ዓብደላ ኣቡበከር፡ ሃይለ ገብሩን ተስፋማርያም ኪዳነን ከምኡ'ውን ምስ ናይ ንግዲ መሻርኽቱ ዝነበረ ገብርኤለ ትሪፖዶ ዝተኻየደ ዕላል ንዝኽሪ ስነጥበበኛ መል ኣከ ገብሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።