ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ኣብ ልዕሊ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ጉድኣት ምውራዱ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ከቢድ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ጉድኣት ከምዘውረደ ተፈሊጡ።

ኣብ ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ንምጥያስ ልዝባት ኣብ ዝቐፀለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣሽሓት ኣባይቲ ብማይ ተዋሒጦም ይርከቡ።ዓብዱል ኤል-ኣዘም ማጂድ ሓደ ካብ ግዳያት ምዕልቕላቕ ውሕጅ እዩ።

“እቲ ገዛይ እዩ።ምሉእ ገዛይ ማይ መሊኡ።ኣብቲ ማዕዶ ዘሎ ገዛ እውን ካብ ናተይ ዝገደደ እዩ።ካልኦት ክልተ ገዛውቲ እውን ዓንዮም ኣለው።”

ኣብ ሱዳን መስርሕ ፖለቲካዊ ምስግጋር ይካየድ ኣብዘለሉ ሕጂ እዋን ‘ናፊር’ ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ከባቢያዊ ናይ ማሕበረሰብ ገባሪ ሰናይ ትካል መንግስታዊ ሓገዝ ብከመይን መዓስን ከምዝርከብ ርግፀኛ ኣይኮነን።ሓሳም ሙስጠፋ ኣብ ናፊር ብነፃ ኣገልግሎት ይህብ።

“እቲ ዘሕዝን በብዓመቱ እዩ ዘጋጥም።ሽግር ትሕተ ቅርጺ፣ናይ ከተማ ትልምን ፅርየትን እዩ።ሓገዝ መንግስቲ ዝሕቱል እዩ።ዛጊት መንግስቲ ስለዘይተመስረተ እቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ነቲ ከይዲ ሓገዝ ምሃብ ሃሲዩዎ እዩ።”

እታ ሃገር መንግስታዊ ስራሓት ዝዓምም ኣካል ወይ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ኣብ እትፅበየሉ ዘላ እዋን መንፈስ ማሕበረሰባዊ ምትሕግጋዝ ከምዝወሰኸ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልፁ።

መሓመድ ሳላሕ ዝተባህለ ግዳይ ውሑጅ ኣብታ ሃገር ብህዝባዊ ድፍኢት ዝመፀ ፖለቲካዊ ለውጢ መናእሰይ መንግስቲ ይሰርሖም ዝነበሩ ስርሓት ብነፃ ኣብ ምምላእ ዘተባብዑ ስርሓት ይሰርሑ ኣለው ይብል።

ኣብ ሱዳን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብዘጋጠመ ዝናብን ምዕልቕላቕ ውሕጂን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ንኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም። ነበርቲ ብወገኖም ሓድሽ መንግስቲ መሰረቱ ኣብ ዝደልደለሉ እዋን ዝናብ ድማ እናብቅዐ ክኸይድ’ዩ ሽዑ እቲ ናይ ዳግመ ህንፀት መስርሕ ክቕፅል ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG