ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ሕ/ሃን ሕ/ኣን ዘድልድል ዘሎ ምትሕብባር ከምዘሓጎሶም ኣቦ መንበር ሕ/ኣን ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃን ገሊጾም


ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን እናደልደለ ንዝኸይድ ዘሎ ምትሕብባር ብሓጎስ ከምዝተቀበልዎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃትእን ገሊጾም።

ክልቲኦም መራሕቲ ነዚ ዝገለጹ ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ክኸዉን ኸሎ ንሓሙሻይ ጊዜ ንዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ተራኺቦም ኣብ ም​ትግባር ሓባራዊ ቀጥዒ ሽርክና ሰላምን ጸጥታን ክልቲኦም ኣካላትን ኣጀንዳ ነባሪ ልምዓት 2063ን 2030ን ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ገምጊሞ፥ ከምኡ'ውን ሓባራዊ ቀጥዒ ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝተመያይጡ ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺኦም ኣፍሊጦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ብተወሳኺ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ኣፍሪቃ ንለበዳ ኮቪድ19 ዝህቦ ምላሽን ክፍፍል ኽታበትን ክብ ከብልን ጸዊዖም።

ብመሰረት እቲ መግለጺ ክልቲኦም መራሕቲ እቶም ዓለማዊን ኣፍሪቃውን ኣካላት ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኣፍሪቃ ንዝርኣዩ ዘለዉ ኩነታት ከም ኣብ ሪፑብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪቃ: ሊብያ: ደቡብ ሱዳን: ሱዳን: ሶማልን ኢትዮጵያን ዘሎ ብድሆታት ሰላም ኣልዒሎም ተዘራሪቦም ኣለው።

ክልቲኦም መራሕቲ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣድላይነት ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦን ተጻባእቲ ወገናት ደሕንነት ሰላማውያን ሰባት ፥ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ቀዳምነት ክሰርዑ ጸዊዖም። ብተወሳኺ ኣድላይነት ኹሉ ሓቆፍ ቅኑዕ ሃገራዊ ልዝብ ንነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ዲሞክራስን ሰናይ ምሕደራን ዕርቂን ብምስማር ንጻዕሪ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰንጎ ኦባሳንጆ ዘለዎም ደገፍ ደጊሞም አረጋጊጾም'ለዉ።

ዓብይ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት'ዉን ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ተሺከዲስ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ንዝግበር ጻዕርታት ሰላማዊን ሃናጽን ፍታሕ ደገፎም ገሊጾም'ለዉ።

እቶም ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ሻድሻይ ዓመታዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ 2022 ክልቲኦም ኣብ ዝሰማምዕሉ ዕለት ንንምድላው ተሰማሚዖም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG