መቐለ —
ሓላፊት ቢሮ ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ ወ/ሮ እቴነሽ ንጉሰ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ስጡም ዝምድና ክፍጠር ኢና ንሰርሕ ዘለና ኢለን::
ምስሊ ክልልና ኣብ ዓለም ብኣወንታ መታን ኽርአ ንህዝብና ኣብ ምድሓን ክሰርሕ ኣለና ኢለን።
ኣብዚ ምቹእ ኩነታት ዘይተማላኣሉ እዋን፡ ንህዝበይ ኣብ ምድሓን እንታይ ኣበርክቶ ክገብር እኽእል ዝብል መንፈስ ክዓዝዝ ከምዘለዎ'ውን ትጽውዕ።