ዋሽንግተን —
ካብ መስረቲ ገድሊ ናጽነት ኤርትራን፡ ኣባል`ቲ ጉጅለ-15 ተባሂሉ ዝፍለጥ መብዛሕቲኡ ኣባሉ ዝተኣስረን ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ እቲ ኣዕናዊ ኩናት ምብቅዑን፡ ብኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ምትግባር ኮሚሽን ዶብን ጽቡቕ `ኳ እንተኾነ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ኣካይዳን ዝውሃብ ዘሎ ምላሽን ግን እቲ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ኣይኮነን ይብል ።