አዲስ አበባ —
ኣብ ልዕሊ ህውሓት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲታት ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ብምቅራብ ኣብ ቀረባ ጊዜ ክዛዘም’ዩ ክብሉ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።ንሶም በቲ ህልው ኩነታት ሻቅሎቶም ዝገለጹ ፈተውቲ ነመስግን ድሕሪ ምባል ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ናይ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ጉዳይ’ዩ ክብሉ ውን ሓቢሮም።
ብካልእ ወገን ነፋሪት ኩናት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣውዲቕና ንዝብል መግለጺ ህውሓት ሚንስትሪ ምክልኻል’ታ ሃገር ነጺግዎ’ሎ።
ኣብ ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ክፍሊ መምርሒ ሜጀር ጄነራል መሀመድ ተሰማ ዝተሃርመ ነፋሪት የለን ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም ኣለው።
Embed
share
The code has been copied to your clipboard.
The URL has been copied to your clipboard
No media source currently available