ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈላሞት ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ውልቀሰባት ምርካበን ኣፍሊጠን


ታንዛንያ: በኒን: ሶማልን ላይበርያን ሎሚ ሶኑይ ፈላሞት ብኮሮና ቫይረስ ዝተጠቕዑ ውልቀሰባት ምርካበን ኣፍሊጠን ኣለዋ። ኣብዘን ሃገራት ዝተራእየ ኮሮና ቫይረስ ነቲ ቫይረስ ዝተራእየለን ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ 30 ክብ ኣቢልዎ’ሎ ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ ፍርቂ ሃገራት’ቲ ኣህጉር ኣስታት 400 በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ምእላይ ከምዝርከባ ተፈሊጡ’ሎ።

ሚንስትር ጥዕና ሶማል ፎዝያ ኣበከር ኑር እቲ ሚንስትሪ ንኣርባዕተ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቻይና ዝተመልሱ ዜጋታት ብምውሻብ ምርመራ ምክያዱን: ሓደ ካብኦም ድማ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኽቦ ሎሚ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ሓቢረን።

ሚንስትሪ ኣቭየሽን ሶማል ንዓለምለኸ በረራታት’ታ ሃገር ንዝመጽእ ክልተ ሰሙን ደው ምባሉ ሓቢሩ’ሎ።

ሚንስትሪ ጥዕና በኒን ብወገኑ እቲ ቫይረስ ዝተረኽበሉ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቦርኪኖፋሶን በልጁምን ዝተመልሰ ምዃኑን ኣብ ዋና ከተማ’ታ ሃገር ዝርከብ መወሸቢ ተዓቑቡ ከምዘሎን ኣፍሊጡ’ሎ።

ሚንስትሪ ጥዕና ታንዛንያ ብወገኑ ፈላመይቲ እቲ ሕማም ዝተራእየላ ውልቀሰብ ካብ ደንማርክ፥ስዊድንን ቤንጁምን ዝተመልትን ምዃና ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተገብረላ ምርመራ ምልክታት ከምዘይተራእየላን ድሒራ ግን ኣብ ሆቴላ ብምሕማማ ናብ መወሸቢ ምውሳዳ ሓቢሩ’ሎ።

ሩዋንዳ: ቦርኪኖፋሶ: ኢትዮጵያን ካሜሮንን ተወሳኺ በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ውልቀሰባት ምርካቦም ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ብዝሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኮሮና ቫይረስ ዘይተራእየለን ሃገራት ሓዊሱ ህዝባዊ ምትእኽካባትን ኣብያተ ትምህርቲን ዩኒቨርሲታትን ብምዕጻው ሓያል ናይ ምክልካል ስጉምቲ ክወስዳ ይረኣያ ኣለዋ።

ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ትሕዝ ኢትዮጵያ ኣብያተ ትምህርቲ:ዩኒቨሪሲቲታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ንክልተ ሰሙን ክዕጸው ኣዚዛ’ላ።

XS
SM
MD
LG