ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ሰላማዊያን ሰባት ቐቲሉ’ዩ ክብሉ ከሲሱ፡ ኣሜሪካ ግን ነዚ ትነጽግ

ፋይል
ፋይል

ኣብ ሶማል ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ብዝፈጸምዎ ደብዳብ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብውሑዱ 14 ሰላማዊያን ሰባት ተቀቲሎም ክብል ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ኣሜሪካ ግን ነቲ ክሲ ኣሉታ ሂቡ’ሎ።

እቲ ሕቡእ ኹናት ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ 73 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ብምክንያት’ቲ ንኣልሸባብ ንምድካም ተባሂሉ ዝፍጸም መጥቓዕታት ነፈርቲ ኣሜሪካ ሞይቶም ዝተባህሉ ሰላማዊያን ሰባት ትኹረት ዝገበረ’ዩ።

ኣብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ተመራማሪ ሶማልያዊ ዓብዱላሂ ሓሰን ከምዚ ይብል።

“እዚ ጸብጻብ ብውሑዱ 14 ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐትሉን 8 ከምዝቆሰሉን ተአማኒ መርትዖ ዝሓዘ’ዩ። እዚ ጉድኣት ዝወረደ ካብቲ ኣብ ሶማል ዝተፈጸመ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ደብዳባት ነፈርቲ ኣብ ሓሙሽተ ጥራይ’ዩ እዚ ደብዳባት ነፈርቲ ኣብ ዞባ ታሕተዋይ ሸበሌ ዝተፈጸመ’ዩ” ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:57 0:00

XS
SM
MD
LG