ዋሽንግተን —
ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣሜሪካ ወታሃደራታ ካብ ሶሪያ እንተስሓበት እውን ኣንፃር ዳዕሽ ዝካየድ ቃልሲን እቲ ጉጅለ ከይስዕርርን ኣብ ምክልኻልን ድልውቲ ኮይና ክትቅፅል እያ ኢሎም።
ንሶም ነዚ ዝተዛረቡ ምስ ናይ ግብፂ መዘነኦም ሳመህ ሹክሪ ድሕሪ ምዝርራቦም ብሓባር ኣብ ካይሮ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መገልፂ እዮም ።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሶሪያ ንምውፃእ ምውሳኖም ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ንእትህቦ ደገፍ ጽልዋ ኣይክህልዎን’ዪ ምባሎም ይዝከር።
ፖምፒዮ ኣሜሪካ ኣንፃር ግብረሽበራ ኣብ ዝካየድ ግጥም ኩሉሻዕ እምንቲ ኮይና ክትቅፅል እያ ኢሎም።