ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝመጹ ገያሾ ካብ ኮቪድ-19 ናጻ ምዃኖም ዘርኢ መረጋገጺ ከቕርቡ ክትሓትት ትዳሎ`ላ

ኣሜሪካ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝመጹ ገያሾ ካብ ኮቪድ-19 ናጻ ምዃኖም ዘርኢ መረጋገጺ ከቕርቡ ክትሓትት ትዳሎ`ላ።

እዚ ሓዲሽ እማመ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ ደቡባዊ ብሪጣንያ ሓዲሽ መልክዕ ዘለዎ ኮቪድ19 ድሕሪ ምርኣዩ- ልዕሊ 40 ዝኾና ሃገራት ካብን ናብን ብሪጣንያ መገሻ ጠጠው ምስ ኣበላ`ዩ።

ሕጂ ናይ ዋይትሃውስ ሓይሊ ዕማም ቫይረስኮሮና፡ ካብ እንግሊዝ ዝመጹ ገያሾ ኣብ ውሽጢ 48 ወይ 72 ሰዓታት ቅድሚ ካብ ብሪጣንያ ምውጽኦም መርመራ ምግባሮም ዘረጋግጽ መረዳእታ ንከቕርቡ ዝሓትት መምርሒ ከውጽእ`ዩ ዝዳሎ ዘሎ።

ብኻልእ ወገን ላዕላዋይ ክኢላ ክፍሊ ተላገብቲ ሕማማት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ፋውቺ፡ እቲ ሓዲሽ መልክዕ ዘለዎ ቫይረስ ድሮ`ውን ኣብ ኣሜሪካ ኣትዩ ክኸውን ይኽእል`ዩ ኢሉ።

ሓላፊ`ቲ ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ባይ-ኤን-ተክ እንተኾነ ብፋይዘርን ባዮ-ኤን-ተክን ዝፈረየ ክታበት፡ ኣንጻር`ዚ ዳሕራዋይ ዓይነት ቫይረስ`ውን ክሰርሕ ዘለዎ ዕድል ልዑል`ዩ ኢሉ-። ሕብረት ኤውሮጳ`ውን ነቲ ክታበት ኣጽዲቕዎ`ዩ።

SOUTH AFRICA COVID-19 STRAIN

ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ`ውን እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ ቁጽሪ ዝተሓዙ የንህር ኣሎ-ተባሂሉ።

ሰበ-ስልጣን ጥዕና`ታ ሃገር፥ እቲ ሓዲሽ ቫይረስ ዝያዳ ኣጥቃዓይ ከምዝመስልን ካብ`ቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ዝተፈለየ ከምዝመስልን ድሕሪ ምጥቃስ እቲ ክታበት እንተጸዲቑ ምጥቃም ከምዝጅምሩ ይገልጹ`ለዉ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 920 ሺሕ ዝተታሕዙ ፥ ልዕሊ 24 ሺሕ ዝሞቱ ከም ዘመዝገበት`ያ ትገልጽ።

XS
SM
MD
LG