ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ 6 ሃገራት ጅምላዊ ህልቂትን ግፍዒ ይፍጸም ከምዘሎ ሓቢራ


ኣብ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣሜሪካ ሽዱሽተ ማያንማር(በርማ)፣ ቻይና፣ ኢትዮጵያ፣ ሶርያን ሱዳንን፣ ጅምላዊ ህልቂትን ግፍዒን ይፍጸም ከምዘሎ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብልንክን ትማሊ ሶኒይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ ሪፖርት "ምውጋድ ጅምላዊ ህልቂትን ግፍዒን" ዝብል ከምዝኾነ፣ እተን ዝተጠቀሳ ሃገራት፣ ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገለ ካብ’ቶም ብርቱዓት ብድሆታት እዮም ኢሎም።

"ኣብ ኢድና ዘሎ መሳርሕና ብሙልኡ ክንጥቀመሉ ኢና። ዲፕሎማሲ፣ ንሃገራት ንልግሶ ደገፍ፣ መስርሕ ምጽራይን ምንዳይ ሓቅን፣ ፋይናንሳዊ ዓቅምን ጽምዶን። ከምዚኦም ዝበሉ ሪፖርታት፣ ኣፍልጦና ዘዕዝዝን ውሁድ ዓለምለኸ ጸቅጢ ንክፍጠር ዘሕግዝን እዩ። ውጽኢቱ፣ ብደረጃ ዓለም ግፍዒታት ንክንቆጻጸሮም ብደረጃ መንግስታት ንክንነጥፍ እዩ ዘሕግዝ።"

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ መግለጺ ዘውጸአት ኣሜሪካ፣ ቻይና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክልል ዥያንግ ዝርከቡ ማሕበረ ሰባት ኡጉር ጅምላዊ ህልቂት ከምዝፈጸመት ኣረጋጊጸ ኣለኹ ከምዝበለት ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG