ዋሽንግተን —
ሰሜን ኮርያ ብእትገብሮ ዘላ ተደራራቢ ፈተነታት ሚሳይል ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ብተሪር ድምጺ ክዅንነኦ ኣመሪካ ጸዊዓ።
ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪን-ፊልድ፡ ሰሜን ኮርያ እትገብሮ ዘላ ተደጋጋሚ ፈተነታት ሚሳይል፡ “ንዓለማዊ ሰላምን ርግኣትን ኣሰካፊ’ዩ” ክትብል ገሊጻ። ኣምባሳድር ግሪን-ፊልድ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንተግባራት ሰሜን ኮርያ ኣትሪረን ንምግታእ ስጕምቲ ክወስዳን ጸዊዓ።
ሰሜን ኮርያ ብመገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ እቲ ፈተነ ሚሳይል ልኡላዊ መሰላ ምዃና ኣመልኪታ ኣላ። ነቲ ተግባር ድማ ኣንጻር ወታሃደራዊ መናውራታት ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ዝገበረቶ ነብሰ-ምክልኻል ክትብል ጸዊዓቶ ኣላ።
ሩስያ ብወገና፡ ዋሺንግተንን መሻርኽታን ኲናት ኣሳዊሮም ማዕቀብ ብምግባር ንኻልኦት ሃገራት ብምጽቃጥ ከሲሳ።