ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዝወርዳ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ትሰርሕ


ተቓለስቲ ሑቲ
ተቓለስቲ ሑቲ

ካብ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ንዝወርዳ ዘሎ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምሕጋዝ፡ ኣመሪካ መከላኸሊ ሚሳይልን ነፈርቲ ውግእን ትሰድድ ምህላዋ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ብመሰረት ካብ ማእከል ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ዝወጸ ዜና፡ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኣስቲን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ትማሊ ሰሉስ ምስ ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳንያ ኣል-ናህያ ብቴለፎን ተዘራሪቦም ኣለዉ።

ኣብቲ ናይ ቴለፎን ርክብ፡ ኣመሪካ ንምክልኻል መሻርኽታ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝከኣላ ክትሕግዝን ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምፍሻል ድማ ኣዝየን ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ ክትልእኽ ድልውቲ ምዃናን ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ናይ ምትሕግጋዝ ኪዳን ዝድልድል ዘሎ፡ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ብ17 ጥሪ ብዝፈነዉዎ ሚሳይል ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ኣቡ-ዳቢ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምቕታሎምን ኣብ ዝቐጸለ ሰሙን ድማ ዝተተኰሰ ሚሳይል ድሕሪ ምፍሻሉን’ዩ። ሳልሳይ ዝፈሸለ ፈተነ ምጥቃዕቲ’ውን ሰኑይ ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሀርዞግ ናብታ ሃገር ዑደት ይገብረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተኻየደ’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣካል’ቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን፡ ኣንጻር ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት’ያ።

XS
SM
MD
LG