ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህጹጽን ብዘይቕድመ ኩነትን ተኹሲ ደው ኣብ ምባል ክዘራረቡ ጸዊዓ

ወሃቢ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኒድ ፕራይስ
ወሃቢ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኒድ ፕራይስ

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብህጹጽን ብዘይቅድመ ኩነታትን፣ ኣብ ልዕሊ ምቁራጽ ተኹሲ ክዘራረቡ ወሃቢ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኒድ ፕራይስ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምኲናን፣ ፈጸም’ቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ ክቀርቡን ክሕተቱን፣ ተዋጋእቲ ሓይልታት ካብ ተመሳሳሊ ተግባር ንክቁጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

ኔድ ፕራይስ"ምስ ህወሓት ዝወገኑ ዕጡቃትን ምልሻታትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙ ብዝሕብሩ ተኣማኒ ሓበሬታታ ተሻቂልና አለና፣ ዝውቀስ ተግባር እዩ፣ ደው ክብል ኣለዎ" ኢሉ ። ፈጸምቱ ክሕተቱ’ውን ጸዊዑ።

ንሱሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ንዝርከቡ ተጋሩ ከምዘጋፍዑን ከምዝኣስሩን፣ ኣብ ዓሌት ዝተመስረተ ምክልባትን ምድጓንን ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ፣ ደው ክብል ይግባእ ይብል ።

ኔድ ፕራይስ ወሲኹ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንዓለምለኸ ሕጊ ክምእዘዙ፣ ደጋጊምና ከምዝበልናዮ ‘ውሽጣዊ ወሰናት’ ብሓይሊ ንምቅያር ዝግበር ፈተነ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ኢሉ ።

ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘገድሶም ብዓመጽ ዘይኮነ ብልዝብን ዴሞክራሲያዊ ኣገባብን ጸገሞም ምፍታሕ ከምዝኾነ’ውን ጠቂሱ።

ህወሓት ንቆልዑ ናብ ሰራዊቱ ይኸትብ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ብርቱዕ ሻቅሎት ፈጢሩልና እዩ ከምዝበለ’ውን ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG