ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢኮዋስ ኣብ ልዕሊ ማሊ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ የልዕል


መራሕቲ ማሕበረሰብ ኤኮኖሚ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢካዋስ) ኣብ ልዕሊ ማሊ ተጻዒኑ ዝነበረ ማዕቀብ ኣልዒሎም። እተን ሃገራት ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዳ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ማሊ ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ናብ ደሞክራሲ ንምስግጋር ዘኽእሎም እማመ ድሕሪ ምቕራቦም`ዩ።

ማሊ ማዕቀብ ዝተገብረላ፡ ዝመርሓ ዘሎ ወተሃደራዊ ጁንታ ቅድሚ ሎሚ እማመ ምስግጋር ስለዘይተኸተለ ምዃኑ ይግለጽ። እቲ ማዕቀብ ንቁጠባ ማሊ ብኸቢድ ሃስዩዎ ምጽንሑ`ዩ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG