ዋሽንግተን —
ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ኢትዮጵያውያን ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጨካን ኩናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝግበር ተጽዕኖ ንምቅዋም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ብርክት ዝበላ ከተማታትን ኢትዮጵያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ።
እቶም ሰልፈኛታት ዝሓዝዎም ጭርሖታት ዝተፃሕፍዎም ባነራት "ኣሜሪካን ካልኦት ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ይፍጸም ኣሎ ንዝብል ሻቕሎቶም ንቃወም።ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቶም ኣብታ ክልል ዝነበሩ ዓመፅቲ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ነቶም በረኻ ዝሰፈሩ መራሕቲ ንምሓዝ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ዝብልን ሰራዊት ኤርትራ'ውን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሓገዝ ይህቡ ምህላዎምን ንኽወፁ ዘተሓሳስብ ዓለምለኸ መፀዋዕታ ንቃወም: መናእሰይ ኢትዮጵያ ምትእትታው ምዕራባውያን ንኹንን" ዝብሉ መጸዋዕታታት ይርከቡዎም ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ መጥቃዕቲ ዘየቋርፅ እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሳኺ ስጉምትታት ክውሰድ ይክእል እዩ ኢሉ ኔሩ`ዩ ።