ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

76 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብወለንትኦም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኬንያ ካኩማ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ተገሊጹ


76 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብወለንትኦም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኬንያ ካኩማ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ተገሊጹ

76 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብወለንትኦም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኬንያ ካኩማ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ተገሊጹ። እዚ ስደተኛታት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፈላማይ ስጉምቲ’ዩ።

እዚ ብምትሕግጋዝ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስታት ኬንያን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ኣብ ቀረባ ኣብቲ ቦታ ዝተራእየ ምዕባለታት ስዒቡ ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መስርሕ አካል’ዩ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት ካብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ዝመጹን ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ኣብቲ መዓስከር ክነብሩ ዝጸንሑ ምኳኖምን ይፍለጥ። ፍርቂ ካብቶም ዝተመልሱ ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ከለዋ ገለ’ውን ኣብቲ መዓስከር ዝተወልዳ እየን።

እቶም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ኬንያ ናብ ድሬዳዋ ምኻዶምን ካብኡ ናብ ጂጂጋ ከምዘምርሑ ተፈሊጡ’ሎ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ዝመልሱ ስደተኛታት ሓገዝ ከምዝበርኽትን ኣቐዲሞም ኣብ ሰነ 2019 94 ስደተኛታት ካብ ሱዳን ምምላሶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG