ዋሽንግተን —
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ኢትዮጵያዊ ሜጄር ጀነራል መሓሪ ዘውደ ገብረማሪያም ኣዛዚ ሓይሊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ግዚያዊ ሓይሊ ፀጥታ ኣብ ኣብየ ንክኾኑ ሸይሞምዎም።
ሜጄር ጀነራል መሓሪ ዘውደ ገብረማሪያም ኣገልግሎቶም 23 ሚያዚያ 2019 ንዘብቅዕ ኢትዮጵያዊ ሜጄር ጀነራል ገብረ ኣድሓና ወልደዝጊ ክትኩኡዎም እዮም።
ሜጀር ጀነራል መሓሪ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንልዕሊ 37 ዓመታት ዘገልገሉ ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ዋና ክፍሊ ዓቕሚ ሰብ ብምዃን ዝሰርሑ እዮም።
ንሶም ኣቐዲሞም ምኽትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምድብ ምዕራብ፣ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊትን ኣብ ካልኦት ሓላፍነታትን ከምዝሰርሑ እውን ተፈሊጡ’ሎ።ኣብ ብሪጣንያ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ግሪኒዊች ማስተርስ ድግሪ ዘለዎምን በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልተ ቆልዑትን እዮም።