ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መዚዛ


ፓርላማ ኢትዮጵያ ወ/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ፈላመይቲ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ክትከውን ብምምዛዝ ሎሚ ሓሙስ ቃለ መሓላ ፈጺመን።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምምዛዝ ወ/ሮ መዓዛ አሸናፊ ኣብያተ ፍርዲ’ታ ሃገር ዘለውን ዓቕሚ ብምምሕያሽ “ንፍትሒ፡ዲሞክራሲን ለውጢ ንዝቐረብ ጠለብ ከትግብራ ዝሕግዝ’” ኢሎም።

ኣቐዲመን ፕረዚደንት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዝነበራ ወ/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ናይ ሕጊ በዓልቲ ሞያ’ውን እየን።

ምምዛዝ ወ/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ 10 ደቂ ኣንስትዮ አባላት ካቢነ ሚንስተራት’ታ ሃገር ክኾና ድሕሪ ምምዛዞም’ዩ። ኢትዮጵያ ንሩዋንዳን ሲሺልስን ስዒባ ፍርቂ አባላት ካቢነ ደቂ ኣንስትዮ ዝመዘዘት ሳልሳይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና አላ።

ዝሓለፈ ሰሙን ወ/ሮ ሳሕለወርቅ ዘውዴ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ’ታ ሃገር ኮይነን ምሻመን ይዝከር።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነጻ አካል’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG