ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቅንያት`ዚ ኣብ ተካይዶ ዘላ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ቅድሚ ሎሚ ክርኣይ ዝጸንሐ ናይ ምቅድዳሕ ጸገም ንምፍታሕ ብዝብል ንኣስታት ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ናብ ዩኒቨርሲታት ተጓዓዕዞም ኣላ።
ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ገለ ተማሃሮን ወለድን ግን እቲ ካብ ዓዶም ኣግዒዝካ ኣብ ዩኒቨርሲታት ዝውሃብ ፈተና፡ ነቶም ተማሃሮ ተወሳኺ ጭንቀት ክፈጥረሎም ይኽእል`ዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲርሎም ኣሎ። ገለ ካልኦት ድማ ምቅድዳሕ ክሳብ ዘይሃለወ ቦታ ምቕያርና ጸገም ኮይኑ ኣይስምዓናን`ዩ ይብሉ።
ዝሓለፈ ሰኑይ 10 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ተማሃሮ ንፈተና ኣብ ዝተቐመጥሉ እዋን ሓደ ብእግሪ ትሰጋገረሉ ድልድል ፈሪሱ ሓደ ተማሃራይ ክመውት ከሎ ብርክት ዝበሉ ድሕሪ ምቑሳሎም እቲ ፈተና ተቛሪጹ ኔሩ። ንጽባሒቱ ግን ቀጺሉ።
ቅድሚ ዕለት ፈተና ዝካየድ ምስርራቕን ምቅድዳሕን ሃገራዊ ፈተና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጸገም ኮይኑ`ዩ ጸኒሑ። እታ ሃገር ነቲ ጸገም ንምክልኻል ክትብል ኣብ ግዜ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኢንተርነት ዝዓጸወትሉ እዋን`ውን ኔሩ። ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19 ግጭታትን ተዓናቒፉ`ዩ ጸኒሑ።
ገለ ተማሃሮን ስድራቤቶምን ኣብዚ ዓመት`ዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ግን ዘይልሙድን ሃንደበት ከይፈለጥና ዝተገብረን`ዩ ይብሉ። ሰበ-ስልጣን ግን ለውጢ ከምዘሎ ምልክታት ይህቡ ኔሮም`ዮም። ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ነቲ ሓዲሽ መደብ ዝሓበሩ ክኾኑ ኸለዉ፡ ተማሃሮ ድማ ዝሓለፈ ወርሕ መስከረም ፈተና ዝወስድሉ ቦታ ተሓቢሮም`ዩ።
እቲ መደብ ተማሃሮ ካብ ዓዶም ወጺኦም ኣብ መደቀሲ ዩኒቨርሲታት እናተቐመጡ ክፍተኑ ዝገብር`ዩ፡ካብ ወለዶም ምብጻሕ ኮነ ተለፎን ኣይፍቀደሎምን። እዚ ግን ጭንቀት ከምዝወሰኸሎም ድምጺ ኣመሪካ ዘዛረቦም ወለድን ተማሃሮን ይገልጹ።
ጓል 18 ዓመት ነባሪት ኣዳማ ሚሚ ባዳሶ"ንስድራቤተይ ንሓንቲ መዓልቲ`ኳ ተፈልየዮም ኣይፈልጥን`የ: ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ከይረኣኽዎምን ከይተዛረብክዎምን ከመይ ክጸንሕ ከምዝኽእል ኣይፈልጥን” ትብል።
ንሳ ናይ ኣዝማ ጥዕና ጸገም እንተለዋ`ኳ፡ ካብ መንጎ ዕድለኛታት`ያ፡ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ከተማኣ ኣብ ኣዳማ ኣብ ዘሎ ዩኒቨርሲቲ ኮይና`ያ ትፍተን ዘላ።
ነቶም ልዕሊ 100 ኪ.ሜ ተጓዒዞም ናብታ ከተማ ዝመጹ ተማሃሮ ዝያዳ ጸገም ከምዝኸውን`ውን ይርኣያ።
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ፡ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቶም ኮይኖም`ዮም ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ዝወስዱ ኔሮም። ተዓዘብቲ ምስ ስድራቤቶም እናነበሩ ነቲ ፈተና ይወስድዎ ብምንባሮም ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ስድራቤታዊ ሞራል ይረኽቡ ኔሮም ይብሉ ።
ኣብዚ ዓመት`ዚ ግን ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ተፈተንቲ ተማሃሮ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ኣይክእሉን`ዮም፡ ሽሕ`ኳ መንግስቲ መጎዓዝያ ዘቕርበሎም እንተኾነን ኮበርታን መግቢ`ውን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተቐሪብሎም`ዩ።
ኣቦኣ ንሚሚ ኣቶ ባዳሶ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ ጓሉ ንመጀመርያ ግዜ ኣቑሑታ ጠርኒፋ ትወጽእ ከምዘላ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ከባቢ ብደገ ኮይኑ`ኳ ንምርኣይ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝኸይድ ኣፍሊጡ`ሎ።
ንሱ “ንውሽጢ ክንኣቱ ወይ ብተለፎን ክንረኽቦም ግን ኣይንኽእልን ኢና” ይብል።
ሰበ-ስልጣን እቲ ሓዲሽ ኣሰራርሓ ነቲ ዝነበረ ናይ ምቅድዳሕ ክፍተት ከምዝዓጽዎ ንተኣማመን ኢና ይብሉ።
ሚንስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብርሃኑ ነጋ ምስ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ እቲ ዝነበረ ክፍተት ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝዕጾን፡ እቲ ለውጢ ናይ መፈተኒ ቦታን ለውጢ ኣመሓደርትን ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዘምጽእን ንተኣማመን ኢና ይብል።
ካብ ከተማ መቱ ዝኾነ ተማሃራይ ሳምሶን ሲለሺ ብወገኑ፡ ሽሕ`ኳ እቲ ብድሆታት እንተሃለወ፡ ነቲ ፈተነ ንምውሳድ ድልው ምህላዉ ብምግላጽ ኩሉ ገዲፍካ ንቕድሚት ምስጓም ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።
“ ንዓይ ዘገድሰኒ ነቲ ፈተና ምውሳድን ጽቡቕ ምስርሐይ ምርግጋጽን ጥራሕ`ዩ። እቲ ፈተና ኣበይ ይገበር ንዓይ ጸገም ኮይኑ ኣይርኣየንን`ዩ” ኢሉ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ፡መጠይቕ፡ ካብ ከተማ መቱ ደቡባዊ ምዕራብ ኦሮምያ። “ ኣብ ፈተና ምቅድዳሕ ክሳብ ዘይሃለወ ካልእ ጸገም ኣይኮነን” ይብል ብምስዓብ።
ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ግዝኣት ሚዞሪ ትነብር ተወላዲት ኦሮሞ ተራፒስት ማኪያ ኣሕመድ ግን ተመሃሮ ፈተና ክወስዱ ከለዉ፡ ዕረፍቲ፡ መግቢ፡ ድቃስ፡ ከምኡ ኣብ ሰውነት ፈሳሲ ዘይምጉዳል፡ ኣገዳሲ ረቛሒታት`ዩ ትብል። ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ዘተኣታተወቶ ሓዲሽ ውጥን ሃገራዊ ፈተና ድማ ንገሊኦም ዝኸፍአ`ዩ ትብል።
ሚንስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብርሃኑ ነጋ ግን፡ ሽሕ`ኳ ኩሉ ግዜ ገለ ጽገማት ክህሉ ንጽበዮ እንተኾነ ብዛዕባ ውጥና ንተኣማመን ኢና ኢሉ`ሎ።
፨፨፨ ዓችት ፡፫ ፨፨፨፨
“ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ ኮፍ ኢልና ነቲ ውጽኢታት ክንርእዮ ኢና፡ ገለ ናእሽቱ ጸገማት እንተ ተራእዩ`ውን ክነዐርዮ ኢና “ ኢሉ ዶር ብርሃኑ ነጋ ብምስዓብ።
ከምቲ ኣብ ፳፳ ከምኡ`ውን ኣብ ፳፪፩ ዘጋጠመ፡ ኣብዚ ዓመት`ዚ ፳፪፪`ውን ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኣብ ክልል ትግራይ ኣይካየድን`ዩ፡ ብሰንኪ `ቲ ዝቕጽል ዘሎ ኩናት።
ኣብ ገለ ክፋላት ኦሮሚያ ዓፋርን ኣምሓራን`ውን ከምኡ ተመሃሮ ንፈተና ኣይክቕመጡን`ዮም። ብዛዕባ`ዚ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብቶም ከባብታት ነቲ ሃገራዊ ፈተና ከካይዶ መደባት ይስራዕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።
፨፨፨፨፨ አንድ ፨፨፨፨