ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ:ኣብ ዞባ ኮንሶ ዳግማይ ብዝተላዕለ ግጭት 10 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፡ ኣብ መንጎ ዞባ ኮንሶን ፍሉይ ወረዳ ኣሌየን ዳግም ብዝተላዕለ ግጭት፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት 10 ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ`ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

በቲ ግጭት ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ፡ ክልተ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብን ሰለስተ ሲቪላትን ዝተቐትሉ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኣቐዲሙ ብዝተላዕለ ግጭት ውን ኣርባዕተ ሲቪላት ምቕታሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እንተኾነ ቁጽሪ ዝሞቱ ዛጊት ምሉእ ንምሉእ ምጽራይ ከምዘይተኻእለ ንዝምልከቶም አካላት ብምጥቃስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG