ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ልምዓት ማይን ምክልኻልን ምስ ቱርኪ ስምምዕ ምፍራማ ተገሊጹ


ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ዓውድታት ልምዓት ማይን ምክልኻልን ስምምዕ ተፈራሪሞም ክብል ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት እቶም ስምምዓት ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ዘሰጋገረ እዩ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ቀዳምነት ሂቦም ዝገለፅዎን ዕዉት ነይሩ ዝበልዎን ምብፃሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ቱርኪ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝተኻየዱ ዘተታትን ኣብ ልምዓት ማይን ምክልኻልን ዝተገብሩ ስምምዓት ነቲ ዝነበረን ንነዊሕ ዝፀንሐን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣሰጋጊሩዎ እዩ ኢሎም።

ንምብፃሕ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ቱርክን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ክፈጥሮ ዝኽእል ስምዒትን ኣመልኪቱ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣምባሳደር ዲና ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ ቁጠባዊ ርክብ ዝለዓለ ግምት ዝወሃቦ ኮይኑ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ቱርኪ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ተሰማዕነትን ኣባል ኔቶ ምዃናን ፍሉይ ጠመተ ክወሃቦ ዝግባእ ብምኳኑ ምብፃሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣብቲ ዞባ ብዙሕ ከገርም ኣይግባእን ድሕሪ ምባሎም "ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት እትገብሮ ርክብ ብቀንዱ ኣብ ጥቅምና ዝተመስረተ ርክብ'ዩ እምበር ሃገራት ምስ ጎረባብትና ኮነ ካልኦት ዘለወን ርክብ እንታይ ይመስል ብዝብል ኣይኮነን "ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG