ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሴ ምምላእ ምጅማራ ግብጺ ኣፍሊጣ


ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ግድብ ህዳሴ ምምላእ ከምዝጀመረት ግብጺ ኣፍሊጣ። እዚ ተበግሶ’ዚ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ንሱዳን ዝሓወሰ ኣጀንዳ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንምዝርራብ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ኮይኑ፣ ንውጥረት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይሕበር ኣሎ።

ግብጺ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝዘርገሐቶ መግለጺ ኢትዮጵያ ነቲ ኣሳሓሓቢ ግድብ ምምላእ ከምዝጀመረትን እዚ ስጉምቲ’ዚ፣ ቅድሚ ንሱዳን’ውን ዝሓወሰ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ምክያዱ፣ ውጥረት ከምዘንህር ኣፍሊጣ ኣላ።

ሚኒስትር መስኖ ግብጺ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ሚኒስትር መሓመድ ዓብደል ዓጥይ፣ ካልኣይ ዙር መስርሕ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ ይሳለጥ ከምዘሎ ዝሕብር ደብዳቤ ካብ ኢትዮጵያዊ መዘነኦም ወግዓዊ ፍለጡልና ዝብል ከምዝበጽሖም" ጠቂሱ። "ኢትዮጵያ ትወስዶ ዘላ ሓደ ወገናዊ ስጉምቲ ከምትነጽጎ’ውን" ግብጺ ኣፍሊጣ ኣላ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ንዞባዊ ሰላምን ህድኣትን ሓደገኛ ከምዝኾነ’ውን ጠቂሳ።

ግብጺን ሱዳንን፣ ግድብ ህዳሴ ዝመልአሉን ዝሰርሓሉን ኣገባብ ንምንጻር ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ንከሐግዛ ደጋጊመን መጸዋዕታ ኣቅሪበን እየን።

ብመሰረት’ዚ፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺን ሱዳንን፣ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ኣብ ኒውዮርክ ኣትዮም ይርከቡ። ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብጽሒት ማይ ግብጺ ንዝንኪ ተግባራት አዲስ አበባ መንግስቶም ከምዘይጻወሮን ኩሎም ኣማራጺታት ኣብ ቦተኦም ከምዘለው፣ አዲስ አበባ ምስ ካይሮን ካርቱምን ክተሓባበርን ግጭትን ንክወግድን ጸዊዖም እዮም።

XS
SM
MD
LG