ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ንምስሕሓብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምፍታሕ ሱዳን ናብ ዝነበረቶ ትመልስ ዝብል ቕድመ ኹነት ኣቕሪባ


ኢትዮጵያ:ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ምስሕሓብ ዶብ ንምፍታሕ ሱዳን ቅድም ክብል ናብ ዝነበረቶ ክትምለስ ዝብል ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጣ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዚ ኢሎም።

"ሎሚ እውን መርገፂና ሓደን ሓደን ጥራሕ እዩ።ናብቲ ዝነበሮ ኩነታት ተመለሱ ድሕሪኡ ምዝርራብ ንኽእል ኢና።ቀደም እውን ንዘራረብ ነይርና ኢና።ስለዚ ናብቲ ዝነበርኩምዎ ናብቲ ፍሉጥ ቦታ ተመለሱ ክንዘራረብ ንኽእል ኢና ንብል ዘለና።ነዚ ድማ ናይ ዝኾነ ይኹን ሳልሳይ ወገን ሸምጋሊ ኣይንደልን። "

ኣምባሳደር ዲና ሓይልታት ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ክሕልዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈቒዱ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም።ሓይልና ሕጊ ንምኽባር "ናብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ኣብ ዘዘረሉ እዋን ኣብ ዶብ ከባቢ ንኽልቲአን ሃገራት ዘይምቹእ ነገራት ከይስርሑ ብናትና መሪሕነት ንመንግስቲ ሱዳን ዝተወሃበ ሓደራ እምበር ዶብ ጥሒሶም ክሕዙዎ ልዕሊ ኩሉ ድማ ናትና እዩ ክብሉ ዝተባህለ ነገር ኣይነበረን’’ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG