ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ዘምርሑ 66 ወታደራት ወታደራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 14 ዓመታት ከምዝተፈርዶም ሰበስልጣን ገሊፆም።
ወታደራዊ ዩኒፎርም ዝተኸደኑ 200 ወታደራዊ ምስ ዕጥቖም 20 ጥቅምቲ 2018 ናብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ብምኻድ ምስ ዶ/ር ኣብይ ተራኺቦም።መንግስቲ ናይ ደሞዛ ወሰኽ ንምሕታት እዮም መፂኦም ክብል ገሊፁ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ምስቶም ወታደራት ስፖርት እናሰርሑ ብመንግስታዊ ቴሌቪዥን ዝተርኣዩ ክኾኑ ከለው ፀኒሖም ግን ናይቲ ጉጅለ መራሕቲ እከይ ዕላማታት ብምሓዝ ነቲ ለውጢ ደው ንምባል ዝሃቀኑ እዮም ኢሎም ገሊፆም።ሮይተርስ ዘውፅኦ ዜና ሽሞም ዘይተጠቕሱ ኣባላት እውን ከይቐትልናዮ ኣምሊጡና ኢሎም ክብሉ ምስምዖም ቀዳማይ ሚንስትርኣብይ ተዛሪቦም ነይሮም ይብል።
ሓላፊ ዳይሬክቶሬት ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ኮነሬል መሸሻ ኣረዳ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ንሓደ ተኸሳሲ 14 ዓመታት ክፈርዶ ከሎ እቶም ዝተረፉ 65 ድማ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 13 ዓመታት ተፈሪዱዎም።