መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ኮሚሽን ናይ ሰብኣውን ህዝብን መሰላት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ብሰንኪ ዝቐፀለ ኣዕናዊ ግጭት ዓፀቦን ምጽናት ዓሌት ከምዘስዓበ ናብ መጠንቀቕታ ዘምርሐ ተፈፂሞም ዝበሃሉ መግሃስታት ብዝምልከት ንዝካየድ ሓዱሽ መርመራ "ብዘይውዓል ሕደር ጠጠው ከብሎ" ሓቲቱ።
መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ነፃ መርመራ "ዝተጋገየን" ናይ ሕጊ መሰረት ዘይብሉን ክብል ብምንቃፍ ኣብ ክንድኡ ናይ ሓባር ምርመራ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ።
ኣባላት ናይቲ ዝተመስረተ ሓዱሽ ኮሚሽን ግን ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስታትን መርመራ ሰብኣዊ መሰላት ምርመራ ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ናይቲ ኮሚሽን ምኽትል ኣቦ መንበር ረሚ ጎይ ሉምቡ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ"ዝጀመርናዮ ጠጠው ኣይነብልን" ኢሎም። ንሶም ብምውሳኽ ኢትዮጵያ እቲ ኮሚሽን ንትግራይ ክርኢ ፍቓድ ሂባቶ እያ ግን ብሰንኪ ኩነታት ፀጥታ ግዜ ኣይተወሰነን ኢሎም ።
ሉምቡ ዝኾነ ይኹን ውፅኢት መርመራ "ብርግፀኝነት" ኣብ ጣውላ ኣይሕባእን ኢሎም ።እቲ ኮምሽን ፀብፃቡ መዓስ ከምዘውፅእ ግን ንፁር ኣይኮነን።
ኣብ ትግራይ በቲ ሓደ ገፅ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን በቲ ካልእ ገፅ ድማ ሕጂ ይድለዩ ናይ ዘለው መራሕቲ ደገፍቲ ዝኾኑ ዕጡቓትን ኣብ ሕዳር ግጭት ካብ ዝጅምር ብ ኣሽሓት ዝቑጽሩ ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ንኣሶሴይትድ ፕረስ ዝተዛረቡ መሰኻኽር ብዕስለ ፆታዊ መድፈርቲ፣ ጃምላዊ ምብራርን ብሓይሊ ምጥማይን ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ኣሜሪካ ኣብ ክፋላት ትግራይ ምፅናት ዓሌት ተፈፂሙ እዩ ክትብል ከሲሳ ኣላ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ክስታት ብምንፃግ ንትግራይ ዳግም ንምህናፅ እየ ዝሕግዝ ዘለኹ ይብል።
ሉምቡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ነንሕድሕዶም ክደጋገፉ እዮም ኢሎም ።
እቲ ኮሚሽን ስርሑ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ኣሎ። እንተወሓደ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝሰርሕን እቲ ግዜ ክሕደስ እዩ።