ዋሽንግተን —
ላዕለወይቲ ፕረዚደንታዊት ኣማኻሪት ኣሜሪካ ኢቫንካ ትራምፕ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ምስ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ተራኺበን።
ጓሎም ንፕረዚዳንት ትራምፕ ኢቫንካ ትራምፕ ንዝኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝሞቱ 157 ሰባት ዕምባባ ኣንቢረን።
ኢቫንካ ምሕያል ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ዝምልከት ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ንምስታፍ ትማሊ ሰንበት ኣዲስ ኣበባ ምእታወን ይፍለጥ።
ንሰን ንሓደ ናይ ቡን መሸጢ መደበርን ኩባንያ ዓለባን ተዓዚበን ኣለዋ።ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዓቕመን ንምሕያል ንምትብባዕ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብወላዲ ኣቡአን ዝተወጠነ ናይ 50 ሚሊዮን ዶላር ተበግሶ ንምፍላጥ እየን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ገይሸን ዘለዋ።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።