ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢህኣዲግ ናብ መሪሕነት ዝመጸሉ መበል 27 ዓመት ተኸቢሩ


ስርዓት ደርጊ ዝወደቐሉን ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ዝደየበሉን መበል 27 ዓመት በዓል 20 ግንቦት ተኸቢሩ ውዒሉ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ካብቲ ልሙድ ፍልይ ዝበለ መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለው።

መበል 27 ዓመት 20 ግንቦት ዝኽበር ዘሎ ኢትዮጵያ ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብዝተፈለየ ፖለቲካዊ ምዕራፍ ኣብ እትርከበሉ እዋን እዩ።

ንኽልተ ዓመታት ተቓውሞ ድሕሪ ምክያዱ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ወሲዱ’ሎ።ሞት ዝተፈረዶም ሓዊሱ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይርአ ዝነበረ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ምፍታሕ ይርከቡ።

ኣብዚ ቅንያት ሞት ዝተፈረዶም ላዕለዋይ ኣባል መሪሕነት ግንቦት ሸውዓተ ዝነበሩ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ሓዊሱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ክፍትሑ ተወሲኑ’ሎ።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ካብቶም ዝሓለፈ 26 ዓመታት ዝተፈለየ ኣካይዳ ይስዕብ ከምዝጀመረ ይርአ’ሎ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ልሙድ መዘገበ ቃላት ኢህወዴግ ውፅእ ዝበለ መደረ ምስማዕ ቀፂሎም ኣለው።20 ግንቦት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣገላልፃ ይኹን ብትሕዝቶ ዝተፈለየ እዩ።

ንሶም ኣብ መልእኽቶም ኢትዮጵያዊያን ዝተፈላለዩ ሽዱሽተ ጉዳያት ብምፍፃም ነቲ በዓል ከኽብሩዎ ሓቲቶም ኣለው።ኢትዮጵያዊያን ናይ ፅሞና ግዜ ክህልዎምን ምስ ባዕሎም ክትዓረቑ፣ምስ ጎረቤቶምን ፈተውቶምን ዘለዎም ክፍተታት ብዕርቅን ይቕሬታን ክመልኡ፣ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተዃረዩ ፈተውቲ፣ጎረቤት፣ሰብ ሓዳርን ካልኦትን ይቕረ ክበሃሀሉን ሰላም ከውርዱን ብኽብሪ ይፅውዕ ኣለኹ ይብሉ ።

ኣነዳንስነት ምፍጣር ዘንብብ ወለዶ፣ከባቢ ምፅራይን ማሕብረሰብ ንደቂ ኣንስትዮ ዝህቦ ክብሪ ከዕብይን እውን ፀዊዖም ኣለው።

ኣማሲዩ ኣብ ሸራተን ሆቴል ኣብዝተኻየድ ስነስርዓት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣይተረኽቡን።ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኽቡ ምኽትሎም ኣቶ ደመቀ መኮነንን ፕሬዝዳንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ እዮም።

ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ኣብቲ ስነስርዓት ኣብዘስምዕዎ መደረ ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ዝኽበር ዘሎ ኣብ ቅልጡፍን መሰረተ ሰፊሕ ናይ ለውጢ ማዕበልን ኮይንና እዩ ኢሎም።

“ውፅኢት ዓወት 20 ግንቦት ዝኾነ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትና ናይ ህዝብና ማዕርነት ንምርግጋፅን ልምዓት ንምስላጥን ካብ ዝተፈጠረልና ምቹእ ኩነታት ብተወሳኺ ሓታትን ተማጓትን ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣር ዘመፅአልና ለውጢ እውን ፈፂምና ክንርስዖ ኣይግባእን።”

ዶ/ር ሙላቱ ነዚ እውን እዩ ዘሎ ትውልዲ ንድኽነት ይኹን መግሃስቲ መሰላት ወይ ድማ ዘይፍትሓውነት ኣሜን ኢሉ ንምቕባል ወይ ንምሽካም ማእገር የብሉን ኢሎም ።

ናይ ሎሚ በዓል 20 ግንቦት ዝለዓለ ሃገራዊ ምርድዳእ ዴሞክራሲያዊ ሓድነትን ንዝልዓለ ሃገራዊ ዓወት ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል እዩ ዝኽበር ዘሎ።

XS
SM
MD
LG